Tuesday 13 January 2015

ኤርትራውያን፣ መሃይማን ታሪኽ ዶስ ከሓድቲ ሓቅታት፧! ብሙሴ ሓድጉ

4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

መግዛእቲ ጥልያን፥

ግብጺ ተዳኺማ ድሕሪ ምውጻኣ፣ እንግሊዝ ውዕል ሂወት/ዓድዋ ብምጥሓስ ንባጽዕ ንጥላያን ኣረከቦ። ሃጸይ ዮሃንስ ንውዕል ሂወት/ዓድዋ፣ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኣ ባጽዕ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ እያ ዝብል ትርጉም ህይብዎ ስለዝነበረ፣ ብክሕደት እንግሊዝ ኣዚዩ ተቖጥዐ። ስምዕትኡ ከኣ ናብ እንግሊዝ ኣብጸሐ። እንተኾነ ሰማዒ ኣይረኸበን። ጥልያን ከኣ ካብ ባጽዕ ሓሊፋ ንኸበሳ ገጻ ገስገሰት። ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ከኣ ንሰራዊት ጥልያን ብጥሪ 1887 ኣብ ደጎሊ ሰዓሮ። ኣስታት 500 ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ከኣ ሃለቑ። ብድሕሪ እዚ፣ ሃጸይ ዮሃንስ ኣስታት 80,000 ሰራዊት ኣብ ከባቢ ሰሓጢትን ደጎልን ኣዋፊሩ እኳ ንሓያል ኵናት እንተትዳለወ፣ ንወራር ደርቡሽ/ማህዳውያን ናይ ሱዳን ኣብ መተማ ክዋጋእ ምስ ከደ ኣብቲ ውግእ ብመጋቢት1889 ተቐትለ።

ንሃጸይ ዮሃንስ ዝተክአ ሃጸይ ሚኒሊክ ግን ብውዕል ዉጫለ ዝፍለጥ ውዕል ምስ ጥልያን ኣብ ዉጫለ ኣብቲ ዓመት እቲ ፈረመ። ካብቲ 20 ዓንቀጻት ዝሓዘ ውዕል ዉጫለ ከኣ ነዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ክንርኢ ኢና። ምኽናያቱ ምስ ኤርትራ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምጥእስሳር ስለዘለወን፥

ዓንቀጽ 1

ኣብ መንጎ ጃንሆይ ንጉስ ጥልያንን ጃንሆይ ንጉሰ ነገስቲ ዘኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ወረስቶምን ተካእቶምን ኣገልገልቶምን ህዝቦምን ነባሪ ሰላምን ምሕዝነትን ክህሉ እዩ።

ዓንቀጽ 2

ኣብ መንጎ እዞም 2 ተሰማማዕቲ ወገናት ንዝህሉ ናይ መሬት ናይ ልኡላውነት ውሰናስን ምድንጋር ንምውጋድ፣ ብ2 ኢጣልያውያንን 2 ኢትዮጵያውያንን ዝቖመ ኮሚሽን ነዞም ዝስዕቡ ደጀናት ብምቛም ኣብ መሬት ጥልያን ፍሉይ ቀዋሚ ምልክታት ዶብ ይሕንጽጽ፥

ሀ) ሕንጻጽ ከበሳ ዶብ ጥላይንን ኤትዮጵያን ይኸዉን፤
ለ) ዓድታት ኢራፋይለ፣ ሓላይ፣ ሰገነይትን፣ ኣስመራን ኣብ ውሽጢ ወሰን ጥልያን ይኾና፤
ሐ) ብወገን ቦጎስ ከኣ ዓዲ ንፋስን ዓዲ ዋንስን ኣብ ውሽጢ ውሰን ጥልያን ይኾና፤
መ) ካብ ዓዲ ዋንስ ትኽ ዝበለ መስመር ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ብምዝርጋሕ ንጥልያንን ኢትዮጵያን የዋስን።

ዓንቀጽ 3
ገዳም ደብረቢዜን ምስ ኩሉ ዋንነቱ ርስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ይቕጽል። ግን ኢትዮጵያ ንደብረቢዜዘን ንወተሃደራዊ መዓላ ኣይትጥቀመሉን።

ዓንቀጽ 4

ብምጽዋዕ ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ዝኣቱ ናይ ኣጽዋር ንግድ ንንጉሰ ነገስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ብነጻ ከእቱ ይፍቀደሉ። ኢትዮጵያ ብምጽዋዕ ከተእትዎ ንእትደሊ ኣጽዋር ኣቐዲማ ብንጉሳዊ ማሕተም ዝሓዘ ዳብዳቤ ንሰብ መዚ ጥልያን ተፍልጥ። ኣጽዋርን ተተኰስትን ዝጸዓነ ቃፍላይ ክሳብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕ ብወተሃደራት ጥልያን ተሓልዩ ይጕዓዝ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሃጸይ ዮሃንስ ምስ ሞተ ጥልያን ዓጋቲ ዘይብሉ ንኸበሳ ደየበ። ሃጸይ ሚኒሊክ 2ይ ከኣ ክከላኸል ይትረፍ፣ ብግንቦት 1889 ዓ.ም ብውዕል ዉጫለ ኣቢሉ ንጥልያን ክሳብ ኢራፋይለ፣ ኣስመራ፣ ሓላይ፣ ሰገነይቲ፣ ቦጎስ መጠዎ። እንተኾነ ገዳም ደብረቢዜን ኣብ ከርሲ እቲ ጥልያን ዝቋጻጸሮ መሬት ክንሳ ዋንነት ኢትዮጵያ ኮይና ቀጸለት።
ጥልያን ከኣ ንውዕል ዉጫለ ብምጥሓስ ንደቡብ ገጹ ገስገሰ።

ኣብ ጥሪ 1890 ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዝኣተወ መሬት፣ ኤርትራ ብዝብል ስም ብምጥማቕ፣ ግዝኣቱ ምዃኑ ኣወጀ። ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዘለና ኤርትራ ከም ግዝኣት ጥልያን ክትእወጅ እንከላ እዚ ሕጂ ዘለዋ ስፍሓትን ጀኦግራፍያዊ ቅርጽን ኣይነበራን።

ስለዚ በቲ ልክዕ ናይ ግዝኣት መዐቀኒ፣ ኤርትራ ግዝኣት ጥልያን ኮነት። ኢጣልያውያን ልሙዕ መሬት ደቀባት እንዳመንዝዑ ናብ ኤርትራ ፈለሱ፥ ኣብ ልዕሊ ደቀባት እዚ ዘይበሃል ኣድልዎ ተፈጸመ። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኢጣልያውያን ላዕለዎት፣ ደቀባት ታሕተዎት፥ ደቀባት ዝዳነይሉን ኢጣልያውያን ዝዳነይሉን በበይኑ ኣብያተ ፍርዲ ቆሞ፥ ደቀባት ዘይኣትውዎ ቦታታት ተኸለለ፣ ከም በዓል ኮምፕሽታቶ ነበረ፥

እቶም ብናይ ሕድሕድ ቅርሕንትን ብናይ ስልጣን ህርፋንን ኣቐዲሞም ዝተሓባበርዎም ደቀባት መሳፍንትን ሽሞኛታትን ጥልያን በበሓደን ብእኩብን እንዳ-ቐተለን ኣብ ፍቐድኡ እንዳ-ሞቕሐን ኣጥፍኦም። ዝተረፉ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ሃደሙ። ትምህርቲ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ጥራይ ተፈቕደ። ንህዝቢ ብግዱድ ዕስክርና ናብ ሓዊ እንዳጠበሰ ኣድመዮ።

እዚ ኹሉ ትሕተ-ቕርጺ ነቶም ንኤርትራ ፈሊሶም ዝመጹ ጥልያን ንምግልጋልን ንመሳለጥያ ወራር ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ነበረ። ካልእ ይትረፍ እታ ኤርትራዊ ብመልክዓን ጽሬታን ዝምከሓላ ኣስመራ ናይ ኢጣልያውያን ሰፋሮ ከተማ እያ ዝነበረት። ደቀባት ኣብ ከም በዓል ከባቢ ኣባሻውል፣ ኣኽርያ፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ዲቢዚቶን ወሰን ከተማ እዮም ዝነብሩ ዝነበሩ። እዚ ከባብታት እዚ ዝኾነ ይኹን ትሕተ-ቕርጽን ኣገልግሎታትን ኣይነበሮን። ኩሉ ማእከል ከተማ፣ ትራቮሎ፣ ካምፖቮሎን ገዛ ባንዳ ጥልያንን ናይ ኢጣልያውያን ሰፋሮ እዩ ዝነበረ። 

ስለዚ ብተግባር ኮነ ክልሰ-ሓሳብ እቲ ብሓቂ መግዛእቲ (colony) ዝበሃል ምስቲ መግለጺ ቍጽሪ ሓደ ዝሳማማዕ መግዛእቲ ጥልያን እዩ። ጥልያን ብሓይሊ መሬት ተቛጻጺሩ፣ ግዝኣተይ ኢሉ ኣዊጁ ከኣ ንዓለም ኣፍሊጡ። ብናይ መግዛእቲ ስርዓት ከኣ የምሓድር ነይሩ። ኣብቲ ስርዓቱ ከኣ ወደባት፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይከውን፣ ፕረዚደንት ኣይከውን፣ ንጉስ ኣይከውን፣ ኣመሓዳሪ ኣይከውን፣ ሚኒስተር ኣይከውን፣ ኣምባሳደር ኣይከውን፤ ኣገልጋሊ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ጥልያን ንውዕል ዉጫለ ብምጥሓስ ንደቡብ ገጹ ስለዝገስገሰ፣ ውዕል ዉጫለ ፍሩስ ኮነ፥

ራስ መንገሻ ወዶም ንሃጸይ ዮሃንስ፣ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዝመርሖ ሰራዊት ኣብ ኰዓቲት፣ ሰንዓፈን ዓዲግራትን ክዓግቶም ፈቲኑ ብሰራዊት ጥልያን ተሳዒሩ ንውሽጢ ኢትዮጵያ ሃደመ። ጥልያን ከኣ፣ ንመቐለ ሓሊፉ፣ ናብ እምባ ኣላጀ፣ ትግራይ በጽሐ። ብመስከረም 1895 ዓ.ም ሃጸይ ሚነሊክ ኣብ ልዕሊ ጥልያን ኵናት ኣወጀ። ጥልያን መጀመርያ ኣብ ታሕሳስ 1895፣ ኣብ እምባ ኣላጀ፣ ደሓር ከኣ ኣብ ጥሪ 1896 ኣብ መቐለ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተሳዕረ። እቲ ዓቢ ዓወት ንኢትዮጵያ ግን ኣብ ዓድዋ ኮነ። ብ1 መጋቢት 1896 ዓ.ም ኣስታት 18,000 ሰራዊት ጥልያን ኣብ ውግእ ዓድዋ ተደምሰሱ። ሃጸይ ሚኒሊክ ግን ክሳብ ባጽዕ ክወርድ እኳ ዓጋቲ እንተዘይነበሮ፣ ኵናት ደው ኣበለ።

ብ1900፣ 1902፣ 1908 ከኣ ሓዲሽ ናይ ዶብ ውዕላት ኣብ መንጎ ጥልያንን ኢትዮጵያን ተፈረመ። እንተኾነ ንኻልኣይ ግዜ ጥልያን ነቲ ውዕል ብምጥሓስ ብ1935 ንኢትዮጵያ  ወረረታ። ግዝኣት ኤርትራን ሶማልያን ምስ ኢትዮጵያ ብምሕዋስ ከኣ ዓባይ ግዝኣት፣ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትበሃል ግዝኣት ኣቖመ።

ጥልያን ብእንግሊዝ ተሳዒሩ ብ1941 ዓ.ም ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ ወጸ ከኣ ንኤርትራን ነተን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጥልያን ዝነበራ ግዝኣታት፣ ከም በዓል ልብያን ኢጣልያ-ሶማልያን፣ ጕዳየን ክሳብ ነባሪ መዕለቢ ዝግበረሉ፣ እንግሊዝ ብሞግዚትነት ከተማሓድረን ክትጸንሕ፣ ብሓይልታት ኪዳን ተመዘዘት። ኣብ ናይ ኤርትራ ጕዳይ እንተርኢና እንግሊዝ  ኣሞግዚት ሃገር ኮይና እያ ተመሓድር ነይራ። ማለት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሞግዝትነት እንግሊዝ እያ ነይራ። ካልእ ይትረፍ እንግሊዝ ዓቕሚ ሰብን ግዜን ስለዘይነበራ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ዝነበሩ ጥልያን ኣብ ገለ ውሱን ተኣፋፊ ቦታት ገድፍካ ኩሎም ኣብ ዘዝነበርዎ መንግስታዊ ምምሕዳርውን ሞያውን ስርሖም ኮይኖም ቀጸሉ።


ኣብ 1945 ሓይልታት ኪዳን ስዒረን፣ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስ ኣብቅዐ፣ እንግሊዝ ምስተን ካልኦት ሃገራት ኪዳን ኮይና፣ ጕዳይ ናይ ግዝኣታት ጥልያን ዝነበራ ኤርትራ፣ ኢጣልያ-ሶማልያን ልብያን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መዕለቢ ክረክብ ትጽዕር ነበረት። ጕዳይ ግዝኣታት ጥልያን ነበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መዕለቢ ስለዘይተገብረሉ፣ ናብ ሕቡራት ሃገራት ሓለፈ።

ሕቡራት ሃገራት ከኣ ነቲ ጕዳይ ክሳብ 1950 ዝኾነ ይኹን መዕለቢ ወይ መፍትሒ ክረኽበሉ ኣይከኣለን። ኣብ 1950 ዓ.ም ግን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብስርዓተ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ተወሰነ። እዚ ዉሳነ እዚ ዝተበጽሐ ብድለት ደቂ ከበሳ ኤርትራውያንን፣ ኢትዮጵያን ጅኦ-ፖለቲካዊ ረብሓ ገለ ሃገራትን እዩ። ብናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ 1950 ዓ.ም ዉሳነ መሰረት ከኣ ብ1952 ዓ. ም እንግሊዝ ምምሕዳር ኤርትራ ንኤርትራ ኣረኪባ ወጸት። ስለዚ እንግሊዝ ንኤርትራ ከተምሓድር ከላ፣ ነቲ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ምምሕዳርዊ ሃጓፍ ብግዝያውነት ክሳብ ነባሪ መዕለቢ ዝግበረሉ ደኣ እምበር፣ ንኤርትራ ከም ጥልያን ገዛኢት ሃገር ኮይና ኣይመጸትን። ኤርትራ ግዝኣተይ እያ ኢላ እውን ከምቲ ጥልያን ዝገበረቶ ኣይኣውጀትን። መግዛእታዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዉን ኣየዳለወትን። ናይ እንግሊዝ ዘመን ናይ ስግግር ዘመን እዩ ዝነበረ።

ኢትዮጵያ፥

ስለዚ ኤርትራን ኤትዮጵያን ኣብ 1952 ብሓዲሽ ውዕል ብሰላማዊ መንገዲ እየን ሓቢረን። ድሮ በቲ ግዜ እቲ ውዕላት ኢትዮ-ኢጣልያ 1900፣ 1902፣ 1908 ፍሩሳትን ውዱቓትን ኮይኖም ነይሮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ መጀመርያ ነቶም ውዕላት ብምጥሓስ ጥልያን ንኢትዮጵያ ብ1893 ዓ.ም ብምውራራ፣ ብወገን ጥልያን ተጣሒሱን ፈረሱን። ጥልያን ብገዛእ ፍቓዳ ስለዘፍረስቶም ማለት እዩ። ኢትዮጵያ ንምጥሓስን ምፍራስን እቶም ውዕላት ብጥልያን ተኸቲላ ብ1952 ዓ.ም እቶም ውዕላት ውዱቓትን ፍሩሳትን (Null and void) ምዃኖም ኣወጀት።

ስለዚ እቶም ውዕላት ብኽልቲኦም ወገናት ናይቶም ውዕላት ዝኾኑ ጥልያንን ኢትዮጵያን ፈሪሶምን ተሰሪዞምን ስለዝኾኑ ኣብ 1952 ኣብ ሓዲሽ መድረኽን ኵነታትን እዩ እቲ ሕብረት ተፈጺሙ።

ሀ) ድሮ ካብ 1941 ጀሚራ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ እያ ክትመሓደር ጸኒሓ።
ለ) ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ምስ ወሰነ፣ ክልተ ንሕድሕዶም ዝመላልኡ ውዓላት ተፈጺሞም ማለት እዩ።

1.  ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ንባዕሉ ሓደ ርእሱ ዝኻኣለ ውዕል እዩ። ካብዚ ውዕል እዚ ተበጊሱ ከኣ  እቲ ሕብረት ተፈጸመ።

2.  ነቲ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ስዒቡ ዝስተነድፈን ዝጸደቐን ፈደራላዊ ቅዋም 1952 ዓ.ም እዩ። እዚ ቅዋም  እዚ ከኣ ብወከልቲ ህዝቢ ኤርትራን ሃጸይ ሃይለስላሰን ዝጸደቐን ስተፈረመን እዩ። ስለዚ ቅዋም ኤርትራ 1952 ዓ.ም ሓዲሽ ውዕል ኣብ መንጎ እታ ግዝኣት ጥልያን ዝነበረት ድሒራ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ ዝጸንሐት ኤርትራን፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እዩ ነይሩ።

ስለዚ ውሳነ ሕቡራትን ቅዋም ኤርትራ 1952ን እቶም ሓደሽቲ ውዕላት፣ ንውዕላት ኢትዮ - ኢጣልያ 1900፣ 1902፣ 1908 ዝተክኡ እዮም ነይሮም። ኩሉ ግዜ ዝነበሩ ውዕላት ብኻልእ ውዕላት እቶም ዳሕረዎት ሓድሽቲ ውዕላት እዮም ቀየድትን ኣብ ኣገልግሎት ዝህልዉን። ክሳብ ንሳቶም ብኻልኦት ሓደሽቲ ውዕላት ዝትክኡ ማለት እዩ። ስለዚ ብመሰረት  ውሳነ ሕቡራት ሃገራትን ቅዋም ኤርትራ 1952ን፣ ኤርትራ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዘይኮነትሲ፣ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝነበረት፣ ዜጋታት ኤርትራ ማዕረ መሰላትን ግዴታትን ምስ ካልኦት ዜጋታት ኢትዮጵያ ነይርዎምም። ንኣብነት፥ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝላዓለ ጽፍሒ መንግስትን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ነይሮም። ገለ ሰብ መዚ ንምጥቃስ፥

1.  ብላቴን ጌታ ሎረንሶ ታእዛዝ - ሚኒስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ
2.  ኤፍሬም ተወልደመድህን - ሚኒስቴር ፖስታ ኢትዮጵያ
3.  ኣስፍሓ ወልደሚካኤል - ሚኒስቴር ፍትሒ ኢትዮጵያ
4.  ዶር. በረኸት ሃብተስላሴ፣ ዋና ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ
5.  ጀነራል ኣማን ዓንዶም፣ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ

እዚ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ደኣ እምበር እቲ ቚጽሪ ዓቢ እዩ። ብዙሓት ካብቶም ሰበስልጣን እውን ቅድሚ ሕብረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሮም ኣብ መዝነት ዝነብሩ እዮም።

ብማሕበረ-ቁጠባዊ መዳይ እንተርኢናዮ’ውን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝላዓለ ተረባሒ ካብ ሕብረት ኢትዮጵያን ኤርትራን እዩ ዝነበረ። ኵናት ነቲ ኵነታት እንተዘይኮልፎ እቲ ውጽኢት ካልእ ምኾነ ነይሩ። እቲ ዝበለጸ ዝርግሐን ዓይነትን ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከኣ ኣብ ጊዜ ስርዓት ሃይለስላሴ እዩ ዝነበረ። እዞም ኩሎም ንገድሊ ኤርትራ ዝመርሑ ዝነበሩን ሕጂ እውን ንኤርትራ ዝመርሑዋ ዘለዉን ስርዓት ሃይለስላሴ ዘምሃሮም እዮም። ኣብ ቁጠባ ከኣ፣ ኤርትራውያን ምስቲ ቍሩብ ካብ ጥልያን ዝተማህርዎ ናይ ተክኒክ ሞያ፣ ኣብቲ ሰፊሕ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣትዮም ብዙሕ ረብሑ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ መን ኢኻ ዘይብሎምን ቀይዲ ዘይብሎምን ኣብ ስራሕን ንግድን ተዋፊሮም ብዙሕ ሃብቲ ኣኻዕበቱ።

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ከኣ ኣኽብሮት እኳ እንተነበሮም፣ ገለ ኤርትራውያን ግን ባዕሎም ሽግር ይፈጥሩ ነይሮም። ብጥልያን ምግዛእ ጥራይ ንባዕሉ ከም ዓቢ ሓበንን ክብረትን ምዕባለን ተቘጺሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ናይ ልዕልናን ንዕቀትን ባህሪ የርእዩ ነይሮም። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታቶም ነብሶም ይግልሉ ነይሮም። እዛ ባዶ ትዕቢትን ትምክሕትን እዚኣ ከኣ ክሳብ ሎሚ ጸገም ኤርትራውያን ኮይና ኣላ።

ይኹን እምበር ነቶም ብሸኽ ዓሊ ራዳይ ዝምርሑ ምዕራባዊ ኤርትራ ምስ ሱዳን ክትሓብር ዝጠልቡን ነቶም ብቓዲ መሓመድ ዑመር ዝምርሑ ኣስላም ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝጠልቡን ገዲፍካ፣ እቶም ዝብዝሑ ካብ ሕብረተሰብ ኣስላም ኤርትራ፣ ሃይማኖት ዝመንቀሊኡ ካብ ኣርብዓታት ኣትሒዞም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣትሪሮም ይቃወሙ ነበሩ። እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ክሪስትያናዊት ሃገር እያ እሞ ክትዕብልለና  እያ ካብ ዝብል ዝነቐለ ስክፍታ ነበረ። ነዚ ንምራዳእ ከኣ መግለጽታት መራሕቲ ኣልራብጣ ኣልእስላምያ ንዝህብዎ ዝነበሩ መግለጽታት ምግንዛብ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ንኣብነት ማራሒ ኣልራብጣ ኣልኢስላምያ ዝኾኑ ደጃዝማት ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ ኣብ ቅድሚ ንኡስ ሽማገለ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም ከምዚ ክብሉ መደሩ፥

ኤርትራን ኢትዮጵያን ወላ ንሓንቲ ግዜ ትኹን ብሓደ ሓቢረን ኣይፈልጣን እየን፣ ነገስታት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራን ረጊጾም ኣይፈልጡን እዮም፤ ክልትኦም ህዝብታት ናይ ቋንቋ ኮነ ባህሊ፤ ናይ ታሪኽ ኮነ ሃይማኖት፤ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ዘይብሎም እዮም። ብዘመን ጥንታዊውያን ኣባሲዳውያን (LES ABASIDES)፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብኸሊፋ ባቕዳድ ዝመሓደራ ዝነበራ ሃገራት ዓረብ እያ ነይራ። … ዘመን ኣባሲዳውያን ኣብቅዑ ስልጣን ኸሊፋ ምስ ተበታተነ ከኣ በብሃገሩ ናይ ኣሚራት [እስላማዊ መሳፍንቲ] ስልጣን ተመስረተ። … ካብ ግዝኣት ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል ብሓደ ኣሚር ተታሒዙ ክጸንሕ ከሎ፤ ካልእ ክፍሊ ከኣ ብሓደ ናይ ኤርትራ ተወላዲ ዝኾነ እስላማዊ መራሒ ይመሓደር ነበረ።

…ንፖርቱጋላውያን ስዒቦም፤ ቱርካውያን ኣብ ኤርትራ መጺኦም ስልጣኖም ድሕሪ ምዝርጋሖም፤ ሃገርና ክሳብ ብባዕዳዊት ገዛኢት ጥልያን ዝተታሕዘትሉ እዋን (ማለት ክሳብ 1885 ዓ.ም) ብካድቫት ግብጺ ክትመሓደር ጸኒሓ። … መንግስቲ ጥልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቱ ዝወሰዳ ካብ ኢድ ግብጻውያን እምበር ካብ ኢትዮጵያ ዘይምዃኑ ብታሪኽ ዝተራጋገጸ እዩ። … ባሕሪ ነጋሲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ተኣዛዝነቱ፣ ኣቕድም ኣቢሉ ንቱርካውያን፣ ቀጺሉ ከኣ ንግብጻውያን እምበር ንመንግስታት ኢትዮጵያ ኣይምልከትን። … ስለዚ ባዕዳዊት ገዛኢት ጥልያን ንእነመሓድሮ ሃገር ወሲዶምልና ኢሎም ክማጐቱን ክካራኸሩን ዝግብኦም ግብጻውያን እምበር፤ ኢትዮጵያውያን ዘይምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ።

ናይ ከበሳ ክፋል ግዝኣት ኤርትራ፤ ክርሪስትያን ዝነብርዎን ብባህልን ቋንቋን፣ ምስ ኢትዮጵያ ይመሳሰሉ እዮም ዝበሃል ፍጹም ሓሶት እዩ። ተቐማጦ ሰራየን ሓማሴንን፤ ከም ተቐማጦ ምጽዋዕ ኩሎም ኣስላም እዮም። ኣብ መንጎኦም እኳ ውሕዳት ክሪስትያን ዝነብሩ እንተኾኑ፤ ካብቲ ጠቕላላ ተቐማጢ ህዝቢ 10% ዝኾኑ እዮም።[1]

እቲ ብሰውራ ኤርትራ “ሓርበኛ፣ ኣቦ ነጽነት ኤርትራ” ተባሂሉ ዝተዘመረሉ ደጅዝማት ሼኽ ኢብራሂም ስልጣን እምበኣር፤ ካብ ሓርበኛ፣ ኣቦ ቃልሲ ኢልካ ክትጽውዖ፣ ኢስላማዊ ኣኽራሪ ክትብሎ ይቐልል ነይሩ። ካብ ሃገራዊ ዕላማ ነይርዎ ክበሃል እስላማዊ ዕላማ ነይርዎ ምባል እዩ ዘምሕር። ኢስላማውን ዓረባውን ሒዙ ዝተበገሰ ሰውራ ኤርትራ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ናጽነት ኤርትራን እዩ ነይሩ ኢልካ ምምጓት ኣጕል ስነ-መጐት እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ መብዛሕትኡ እቲ ክርሪስትያናዊ ወገን ብመንገዲ ሰልፊ ሕብረት ኣቢሉ፣ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ይጠልብ ነበረ።

ፈደረሽን ከኣ ከም ኣተዓራቒ ፍታሕ ተቘጺሩ ተኣመመን ተተግበረን። ፈደረሽን ስለዝፈረሰ እዩ ሰውራ ኤርትራ ተላዒሉ ዝበሃል ከኣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ሰውራ ኤርትራ ብ1958 ዓ.ም ብሓረካ ክጅመር ከሎ ፈደረሽን ኣይፈረሰን ነይሩ፤ ብ1960 ዓ.ም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ካይሮ ክምስረት እንከሎ፣ ፈደረሽን ኣይፈረሰን ነይሩ፤ ብ1961 ዓ.ም ብረታዊ ቃልሲ ክእወጅ ከሎ፣ ፈደረሽን ኣይፈረሰን ነይሩ። ስርዓት ፈደረሽን ብድሕሪ እዞም ፍጻሜታት እዚኣቶም፣ ብ1962 ዓ.ም እዩ ፈሪሱ። ኣሰራርዓ ናይዚ ኣቕሚጠዮ ዘለኹ ፍጻሜታት ጌጋ እዩ ዝብል እንተሎ ይቕረብ። 

ሰውራ ኤርትራ ዝጀመረ ብገለ ወገናት ካብ ኢስላማዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብቐደሙ ሕብረት ኢትዮ-ኤርትራ ኣንጻር ድሌቶም ስለዝኾነ ጥራይ እዩ። በዓል ደጃዝማት ሼኽ ኢብራሂም ስልጣን ኮነ እቶም ንናቶም ኣተሓሳስባ ተኸቲሎም ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፣ ሃይማኖት ጥራይ መብገሲ ገይሮም ሰውራ ዝጀመሩ ኣስላም ስለዝበሉና ጥራይ ኢትዮጵያ ባዕዳዊት ገዛኢት እያ ምባል ንነብስኻ ምትዕሽሻው እዩ። ሰውራ ኤርትራ እስላማውን ዓረባውን ዕላማ ተሓንጊጡ ዝተላዕለ ሰውራ እዩ ነይሩ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብሓገዝ ግብጽን ሞሮካውያን ዓብደልከሪም ኣልኻታብን ዓላል ኣልፋስን ብኣስላም ኤርትራውያን ኣብ ካይሮ ተመስሪቱ። ምሉእ ናይ ሃገራት ኣዕራብን ኣስላምን ደገፍ ከኣ ረኸበ። ኣብ ናይ ዓረብ ካርታታትን ጽሑፋትን፣ ኤርትራ ከም ዓርባዊት ሃገር እያ ትግለጽ። ጽሑፋት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራውን ከምኡ።[2] ስለመንታይ እቲ ክሪስትያናዊ ወገን ሕብረተሰብ ኤርትራ መሳርሒ እስላማውን ዓረባውን ዕላማ ኮይኑ ግን መልሲ ኣይረኸብኩሉን።

ሰላምይንገስ ከምዚ ይብል፥

ጸሓፊ ናይዚ ገፈጥ -መፈጥ ዝመልኦ ታሪኽ ብትግራይ ትግሪኚ ኣዝዩ ሕሙምዩ። ነቲ መሬት ኤርትራ ከም መሬቱ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ከምዘይ ህዝቡ ዝዛረብ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየንን ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ብፍጹም ኣይተዘከረን። ዘርኣይ ደረስ ኤርትራዊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ክትርገጽ ምስ ረኣያ ነቶም ረገጽታ ሴፉ መሊሑ ቅንጥብጥብ ኣቢሉዎም ኣብ ማእከል ዓዲ ጥልያን ሮማ ብጅግንነት ተሰዊኡ ጅግንነትስ እዚ ኔሩ። ኤርትራዊ ብሙዃኑ ጥራሕ ኣብዚ መጽሓፍ ታሪኹ ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ዘሎኒ ርእይቶ፣ ብኣተሓሳስባን ኣገላልጻን ጸሓፋይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሓደ ህዝቢ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብተጋሩ ዝተፈጸመ ጅግንነት፣ ንኤርትርውያን፤ ብኤርትራውያን ዝተፈጸመ ጅግንነት ከኣ፣ ንተጋሩ ይውክል ኣሎ ማለት እዩ። ሓደ ህዝቢ ስለዝኾኑ ትግራዋይ፣ ኤርትራዊ እንዳበለ ምግላጽ ኣየድልዮን እዩ።

ካልእ ድማ ሰላምይንገስ፣ ጸሓፊ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣይድልየናን እዩ” ኢሉ ዝብል ዘረባ ኣብ ኣፍ ጸሓፊ ክስኵዕ ይፍትን ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ሰውራ ኤርትራ፣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዘይበሎ ዘረባ፣ “ኤርትራ መሬታ እምበር፣ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ኢሉ ዝብል ሓሶት ነዚሑስ፤ ክሳብ ሎሚ ከም ሓቂ ኮይኑ የገልግል ነይሩ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ጠሪሹ ከምኡ ኣይበለን። እቶም ኢሉ ኢልኩም ትማጐቱ፤ ሃየ ናይ ጽሑፍ ኮነ፣ ድምጺ ወይ ቪድዮ ጭብጢ እንተልዩኩም ኣቕርቡ። ኣልዕል ኣቢልካ ሓሶት ኣብ ማዕከናት ዜና ስለዝዝርጋሕካ ግን ሓቂ ክኽዉን ኣይክእልን እዩ። ካብ ሕጂ ንኖው ከኣ ሓሶት ኣብ ማዕከናት ዜና ስለዝተዘርግሐ ጥራይ ምእማን ተሪፉ እዩ። ነዚ ከኣ እየ ኣነ ዝቃለሶ ዘለኹ። ሰብ ሓቀኛ ሓበሬታ ክረክብ መሰሉ እዩ።
ስላምይንገስ ከምዚ ይብል:

ጸሓፊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ በደል ብዙሕ ኣይገልጾን ብጭልፋዩ ካብቲ ባሕሪ ገሊጽዎ። ስለምንታይ ብዕምቆት ኣይገለጾን ዘይታሪኹ ስለዝኾነ ኤርትራውያን ብሃጼ ዮውሃንስን ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋን ዝወረዶም በደል መዓቀኒ ኣልቦ ኣዝዮም ቡዙሓት ኤርትራውያን ኣእዛኖም ክሳብ መቐመጢ ዉዑይ ቆሎ ዓተርን ውዑይ ሻሂን ኔሩ ይበሃል የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ብሴፍ ይቆርጹዎም ኔሮም ሽዑ ንሽዑ ምስ ተቆርጹ ድማ ደሞም ወዲኦም ከይሞቱ ተባሂሉ ነተን ዝተቖርጻ ኢድን እግርን ኣብ ሸክሸክ ዝብል ጠስሚ የእትዉወን እሞ ቁሩይ ይብላ ሽምርር። ነዚ ኣስካሕካሒ ታሪኽ ብዕምቆት ኣይገልጾንዩ። ተበዲሎምዮም ይብል ግን ኣእዛኖም መቀመጢ ቆሎ ከምዝነበረ ኣይገልጽን ከምዝተቆርጹ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ይዛረብ ነቲ ኣብ ዉዑይ ጠስሚ ግን ብፍጹም ኣይትንክፎንዩ መስደመም።

እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ሃለውለው ሓሊፉ ካልእ ከኸዉን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ብሂል እዚ ንምፍራስ ነዘን ክልተ ህዝቢ መረብ ምላሽ ዝኾና ግጥምታት ምቕራብ ጥራይ እኹል እዩ። እዘን ግጥምታት ንፍትሓውነትን ጅግንነትን ስርዓት ሃጸይ ዮሃንስ ራስ ኣሉላን ዘንጸባርቓን እየን።

ዕድመ  ከም  ማቱሳላ
ጽድቂ  ከም  ላሊበላ
ፍትሒ  ከም  ኣሉላ
ላም  ከም ሓበላ
ጣፍ  ከም ተኸላ
ዳጉሻ  ከም ቆላ 
ይግበረልና።

ኣሉላ ውረድ ናብ ምጽዋዕ
ስግር ባሕሪ ዘሎ ኣይንቐድዎ  
ክርዳድ ብቝሊ ኣሎ ኣብ ምጽዋዕ  
ከይበዝሐ ከሎ ቀርድዶ ምሓዎ[3]  

ስለዚ ናይ ሎሚ ሓሶት ገዲፍካ፣ ካብዚ ክልተ ግጥምታት ከም እንርድኦ፤ ሃጸይ ዮሃንስን ራስ ኣሉላን ዋልታን ሓበንን መረብ ምላሽ፤ ከምኡ እውን ምምሕዳሮም ፍትሒ ዝሰፈኖ ምንባሩ እዩ። እዚ ሰላምይንገስ እግሪ ዶ ተቖሪጹ ኢድ ዶ ዝብሎ፣ ንላግጺ ኢሉ እንተኣምጺኡዎ ኣይርዳኣንን እዩ። ቍሩብ ኣብ ሓቂ ተጸጊዕካ እንተሓሶኻ የምስል እዩ፤ ከምዚ ዓይነት ዉጹእ ሓሶት ግና መፍኮሲ እዩ።

ካልእ ሰላምይንገስ ንኣንቢቢ ጽፉፍን ሓቀኛን ሓበሬታ ንምቕራብ እታ ንእሽቶ ጻዕሪ እውን ኣይገብርን እዩ። እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሕጡበ-ጽሑፍ ንመልከት፥

ጥልያን ንኢትዮጵያ ባሕሪ ከምዘይብላ ጌሩዋ ይብል ገብረኪዳን ደስታ። ጸኒሑ ድማ ንኣከሎጉዛይ ኣብ 1900 ዓም ካብ ትግራይ ተፈልያ ይብል ኤራፋለ ደኣሞ መሬት ኣከለጉዛይ ኣይኮነን’ ደራሲ ንባሻይ ኣውዓሎም ከይሓፈረ ናብ ትግራዋይ ቀይርዎ። ባሻይ ኣውዓሎም ኤርትራውዩ።ዓስከር ጥልያን ከምዝነበረዩ ድማ ዝዝንቶ ምስ ሃጼይ ዮውሃንስ ርክብ ከምዝነበሮ ይዝንቶ። ኣብቲ ግዜቲ ጣልያን ንኢትዮጵያ ክጎብጣ መደብ ኣውጸአ። ባሻይ ኣውዓሎም ድማ ነቶም ተሃንዲዶም ዝኸዱ ዝነበሩ ሰራዊት ጥልያን መራሒ መንገዶም ነበረ። ምስ ሃጼይ ዮሃንስ ተማኺሩ ስለዝነበረ ኣብ ክንዲ ብገፊሕ መንገዲ ብጸቢብ መንገዲ ወሰዶም በዚኣ ኢና ንሞሉቕ ኢሉ ድማ ኣረደኦም። ሰራዊት ሃጼይ ዮውሃንስ ድማ ኣብኣ ተደቢቖም ጸኒሖም ነቶም ጣልያናውያን ወረርቲ ሕርድ ኩምትር ኣበሉዎም ነዚዮም ኢትዮጵያውያን ንጸላእቲ ስዒርናዮም ኢሎም ዝዛረብሉ ታሪኽ።
ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ንምምሕዳር ኢራፋይለ ዝምልከት እንተኮይኑ፣ እቲ ዝበሃል ዘሎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብጥልያን ተኣታትዩ ድሓር ከኣ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኮነ ብድሕርኡ ዝቐጸለ ድኣ እምበር ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ምምጽኡ፣ ኢራፋይለ ምስ ኣከለጕዛይ ትመሓደር ነይራ ዝብል ምጕት ጌጋ እዩ።

ብዛዕባ ኣውዓሎም ክዛረብ ከሎ፣ ወላ ንሱ ኣይትጥቀሶ እምበር ብዛዕባ እቲ ዓቢ ታሪኽዊ ውግእ ዓድዋ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። እንተኾነ ኣብ ውግእ ዓድዋ ኣንጻር ጥልያን ዝተዋግአ፣ ሃጸይ ምነሊክ እምበር፤ ሃጸይ ዮሃንስ ኣይኮነን። በቲ ግዜ እቲ ሃጸይ ዮሃንስ ካብ ዝመውት ድሮ 7 ዓመታት ኣቝጺሩ ነይሩ። ካልኣይ ከኣ እቲ ኣስታት 18,000 ሰራዊት ጥልያን ዝተደምሰሰሉ ውግእ ብኸምቲ ሰላምይንገስ ከቃልሎ ዝፈተነ ኣይኮነን ተፈጺሙ። ልክዕ እዩ ኣውዓሎም ናቱ ጅግነነታዊ ግደ ኣበርክቱ እዩ። ግን እቲ ኩሉ ገዚፍ ዓወት ብሳላ እዚ ሓደ ተራ ውልቀ-ሰብ እዩ ተረኺቡ ምባል ጌጋ ግምገማ እዩ። ብዓብኡ እቲ ስትራተጅን ሜላ ናይ ውግእን እዩ ናብ ዓወት ኣብጺሑ።

Email: Mussiehadgu1@gmail.com



[1] ዘውዴ ረታ (2006) የኤርትራ ጕዳይ (228-229)
[2] Hagai Erlick (1994) Ethiopia and the Middle East. Lynne Rienner Publishing Inc, London

No comments:

Post a Comment